MENU

Fun & Interesting

ብመጀመርታ፤

Superbook Tigrinya 458,356 lượt xem 1 year ago
Video Not Working? Fix It Now

ምእዛዝ ተማሃር ንተግባራት ሳዕቤናት ሰለ ዘለዎ። ክሪስ ንኣቦኡ ብዘይ ምእዛዝ፡ ናብ ቤት ምርምር ኣቶ ኳንተም ኣቲዩ ነቲ ልዑል ምስጢር ዘለዎ ፕሮጄክት ዳርጋ ኣዕነዎ። ብሉጽ መጽሓፍ ንክሪስን ጆይን ጊዝሞን ንውድቀት ሳጥናኤል ካብ ሰማይን ናብ ሰይጣን ምቅያሩን ክርእዩ ተጓዕዞም። ሰይጣን ናብ ምድሪ ምስ ተደርበየ ከም ተመን ተመሲሉ ንኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ንኸይእዘዙ ይፍትኖም።  ኣዳምን ሄዋንን ኣብታ ፍጽምቲ ዓለሞም ብገዛእ ዘይምእዛዞም ዘምጽዎ ዕንወት ክሪስ ጆይ ጊዝሞ ይዕዘቡ። ብሉጽ መጽሓፍ ንደቅና ናብ ገዝኦም ትመልሶም ነገር ግን ምስቲ ኣገዳሲ ዝኾነ መልእኽቲ ብዛዕባ ፍቅርን ምሕረትን ኣምላኽ ትገድፎም። ዋላ እኳ ፕሮፌሰር ብዘይ ምእዛዝ ወዲ እንተ ሓዘነ ንወዱ ግን ይቕረ ይብለሉ። ክሪስ ድማ ነቲ ብሰንኪ ዘይምእዛዙ ዝመጸ ውጽኢት ክኽሕስ ይደሊ።

Comment