MENU

Fun & Interesting

ዋዜማ ቅኔ ብሊቀ መዘምራን ኣናንያ አብ ደብረ ብስራት ቅዱስ ገብርኤል ሕንጸተ ቤተ ክርስቲያን

Video Not Working? Fix It Now

ያዕቆብ ኦርቶዶክሳዊ እምነ-ሐዳስ ኤርትራ እመ-ወጻእከ ርስትከ፡ እለ-ቤትኤል አዋልደ-ሊያ ይበዝኀ ለከ፡ ወዘታመልኮ አምላክ እስመ-ባረከ ኪያከ፡ ወጸረሃይማኖት ኤሳው እመ-ነጸረከ፡ ተመይጦ ይሰግድ ኀቤከ። ፍትሓቱ: ኣታ ምእመን ያዕቆብ(ምስስል) ካብዛ መሬትካ ኤርትራ ርስትኻ ሓዲግካ እንተወጻእካ ቤትኤል (ኣዋልድ ናይ ሊያ) እንዶ በዚሐናልካ: እቲ ተምልኾ ኣምላኽ ስለዝባረኸካ: እቲ ጸረ ሃይማኖት ኤሳው (ምስስል) እንተረኣየካ ተመሉሱ ኣባኻ ክሰግድ ኢዩ:: ስምዒ: ቅኔኡ ንዓና (ኦርቶዶክሳውያን) ምስ ያዕቆብ ብምምስሳል ታሪክ ያዕቆብ ኢዩ ዘመልክት: ማለት ያዕቆብ ወላ እኳ ካብ ቤት ኣቦኡ ካብ ርእስቱ እንተወጽአ እግዚአብሔር ግና ስለዝባረኾ ኣብ ስድቱ ኣዋልድ ንመርዓ ጸኒሐንኦ:: (ኦሪት ዘፍጥረት 25) ወርቂ: ንሕና ኦርቶዶክሳውያን ድማ ወላ እኳ ካብ ሃገርና ካብ ርስትና እንተወጻእና ቤተክርስቲያናት ኣብ ስደትና ጸኒሐናና: እግዚኣብሄር ድማ ስለዝባረኸና እቲ ዝጻረረና ናይ ኤሳው ተምሳል እኳ ኣብ ትሕቴና ክስግድ ኢዩ:: ዋዜማ ቅኔ ብሊቀ መዘምራን ኣናንይያ አብ ደብረ ብስራት ቅዱስ ገብር ኤል ሕንጸተ ቤተ ክርስቲያን #eritrea #ethiopia #orthodox #ቅኔ #ወረብ #kampala #ማርያም #mary

Comment