ያዕቆብ ኦርቶዶክሳዊ
እምነ-ሐዳስ ኤርትራ እመ-ወጻእከ ርስትከ፡
እለ-ቤትኤል አዋልደ-ሊያ ይበዝኀ ለከ፡
ወዘታመልኮ አምላክ እስመ-ባረከ ኪያከ፡
ወጸረሃይማኖት ኤሳው እመ-ነጸረከ፡
ተመይጦ ይሰግድ ኀቤከ።
ፍትሓቱ: ኣታ ምእመን ያዕቆብ(ምስስል) ካብዛ መሬትካ ኤርትራ ርስትኻ ሓዲግካ እንተወጻእካ
ቤትኤል (ኣዋልድ ናይ ሊያ) እንዶ በዚሐናልካ: እቲ ተምልኾ ኣምላኽ ስለዝባረኸካ: እቲ ጸረ ሃይማኖት ኤሳው (ምስስል) እንተረኣየካ
ተመሉሱ ኣባኻ ክሰግድ ኢዩ::
ስምዒ: ቅኔኡ ንዓና (ኦርቶዶክሳውያን) ምስ ያዕቆብ ብምምስሳል ታሪክ ያዕቆብ ኢዩ ዘመልክት: ማለት ያዕቆብ ወላ እኳ ካብ ቤት ኣቦኡ ካብ ርእስቱ እንተወጽአ እግዚአብሔር ግና ስለዝባረኾ ኣብ ስድቱ ኣዋልድ ንመርዓ ጸኒሐንኦ:: (ኦሪት ዘፍጥረት 25)
ወርቂ: ንሕና ኦርቶዶክሳውያን ድማ ወላ እኳ ካብ ሃገርና ካብ ርስትና እንተወጻእና ቤተክርስቲያናት ኣብ ስደትና ጸኒሐናና: እግዚኣብሄር ድማ ስለዝባረኸና እቲ ዝጻረረና ናይ ኤሳው ተምሳል እኳ ኣብ ትሕቴና ክስግድ ኢዩ::
ዋዜማ ቅኔ ብሊቀ መዘምራን ኣናንይያ አብ ደብረ ብስራት ቅዱስ ገብር ኤል ሕንጸተ ቤተ ክርስቲያን
#eritrea #ethiopia #orthodox #ቅኔ #ወረብ #kampala #ማርያም #mary