MENU

Fun & Interesting

"ቦኽሪ ወድና ብጭካነ ንኣዲኡ ቀቲሉዋ-ደማ ፈሲሱ ተወዲኡ ረኺብናያ!"

Video Not Working? Fix It Now

ኣቶ ግርማይ ይበሃሉ። ነባራይ ከተማ መቐለ እዮም። ን 35 ዓመታት ዝኣክል ምስ ወይዘሮ ብርዛፍ እሸቱ ብሓዳር ዝፀንሑ ኾይኖም 3 ደቆም ኣለውዎም።ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዚ ቤተሰብ ሕማቕ ነገር ተሰሚዑ።ቦኽሪ ገዛ ዝኾነ መንእሰይ ሞገስ ግርማይ ንወላዲት ኣዲኡ ብዘስካሕኽሕ ኹነታት ቀቲሉዋ። ኣቶ ግርማይ " መዋቲት በዓልቲ ገዛይ ፤ ቀታሊ ድማ ቦኽሪ ወደይ እዩ" ኽብሉ ብልዑል ሓዘን ይገልፁ። "ወደይ ምስ ኣዲኡ ምንም ዓይነት ባእሲ ኣይነበሮምን" ዝበሉ ኣይተ ግርማይ ፤ ኾይኑ ግና ወዶም ብባህሪኡ ኣሸጋሪ ከምዝነበረ ይገልፁ።ወዶም ንወላዲት ኣዲኡ ብዘስካሕኽሕ ኹነታት ኣእዳዋ ሰይሩ ርእሳ ብምጭፍላቕ ከምዝቐተላ ይዛረቡ።ንኻልኦት መምሀሪ ክኸውን ብምባል ናይል ሚድያ ነዚ ፕሮግራም ኣዳልዩ ኣሎ ። ተኸታተሉና!

Comment