ኣቶ ግርማይ ይበሃሉ። ነባራይ ከተማ መቐለ እዮም።
ን 35 ዓመታት ዝኣክል ምስ ወይዘሮ ብርዛፍ እሸቱ ብሓዳር ዝፀንሑ ኾይኖም 3 ደቆም ኣለውዎም።ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዚ ቤተሰብ ሕማቕ ነገር ተሰሚዑ።ቦኽሪ ገዛ ዝኾነ መንእሰይ ሞገስ ግርማይ ንወላዲት ኣዲኡ ብዘስካሕኽሕ ኹነታት ቀቲሉዋ።
ኣቶ ግርማይ " መዋቲት በዓልቲ ገዛይ ፤ ቀታሊ ድማ ቦኽሪ ወደይ እዩ" ኽብሉ ብልዑል ሓዘን ይገልፁ።
"ወደይ ምስ ኣዲኡ ምንም ዓይነት ባእሲ ኣይነበሮምን" ዝበሉ ኣይተ ግርማይ ፤ ኾይኑ ግና ወዶም ብባህሪኡ ኣሸጋሪ ከምዝነበረ ይገልፁ።ወዶም ንወላዲት ኣዲኡ ብዘስካሕኽሕ ኹነታት ኣእዳዋ ሰይሩ ርእሳ ብምጭፍላቕ ከምዝቐተላ ይዛረቡ።ንኻልኦት መምሀሪ ክኸውን ብምባል ናይል ሚድያ ነዚ ፕሮግራም ኣዳልዩ ኣሎ ።
ተኸታተሉና!