MENU

Fun & Interesting

"ካብ እስራኤል ማይ ጸሎት ንክትሕፀብ ዝመፀት ጓለይ ተቀቲላ ተረኺባ!"

Video Not Working? Fix It Now

ኣዳነች ኣብርሃ ኣብ ዓዲግራት ተወሊዳ ዝዓበየት እንትኾን ብሞያ መምህርነት ተቖፂራ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሰሪሓ እያ። ሙያ መምህርነት ምስ ዘፋለጣ ባዓል ገዝኣ ተፋሊጣ ናብራ ኻብ ትጅምር 15 ዓመት ጌራ። #ሓዳራ ንፋስ ክኣትዎ ምስ ጀመረ ናብ ሃገረ #እስራኤል ከይዳ ሂወታ ክትመርሕ ፈተነት። ይኹን ዳኣ 'ምበር ኣብ እስራኤል 'ውን ክጥዕማ ኣይከኣለን፤ #ሓሚማ ተመልሰት። ብሓባር ዘፍረይዎ ገዛ #"ንማቐል" ስለዝበለት ፤ "ኣይፋሉን ሓቢርና ዳኣ ንንበር" ብዝብል ናይ ባዓል ገዝኣ ምኽንያት "ናብ ፀበል ንኺድ" ኢሉ ዳሓር ግና ሂወታ #ከምዝሓለፈ ተረጋጊፁ ኣሎ። እዚ #ወንጀለኛ ምስ ተሓባባሪቱ ዝነበረት ሓፍታ ብነፃ ተለቒቖም ኣለው። ወላዲት ኣዲኣ ናይ #ቤት ፍርዲ ኸይዲ ከይከታተል የፈራርሑኒ ኔሮም ይብላ። ህዝቢ ትግራይ ፍረደኒ ብምባል ድምፀን የስምዓ!

Comment