ኣዳነች ኣብርሃ ኣብ ዓዲግራት ተወሊዳ ዝዓበየት እንትኾን ብሞያ መምህርነት ተቖፂራ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሰሪሓ እያ።
ሙያ መምህርነት ምስ ዘፋለጣ ባዓል ገዝኣ ተፋሊጣ ናብራ ኻብ ትጅምር 15 ዓመት ጌራ።
#ሓዳራ ንፋስ ክኣትዎ ምስ ጀመረ ናብ ሃገረ #እስራኤል ከይዳ ሂወታ ክትመርሕ ፈተነት።
ይኹን ዳኣ 'ምበር ኣብ እስራኤል 'ውን ክጥዕማ ኣይከኣለን፤ #ሓሚማ ተመልሰት።
ብሓባር ዘፍረይዎ ገዛ #"ንማቐል" ስለዝበለት ፤ "ኣይፋሉን ሓቢርና ዳኣ ንንበር" ብዝብል ናይ ባዓል ገዝኣ ምኽንያት "ናብ ፀበል ንኺድ" ኢሉ ዳሓር ግና ሂወታ #ከምዝሓለፈ ተረጋጊፁ ኣሎ።
እዚ #ወንጀለኛ ምስ ተሓባባሪቱ ዝነበረት ሓፍታ ብነፃ ተለቒቖም ኣለው።
ወላዲት ኣዲኣ ናይ #ቤት ፍርዲ ኸይዲ ከይከታተል የፈራርሑኒ ኔሮም ይብላ።
ህዝቢ ትግራይ ፍረደኒ ብምባል ድምፀን የስምዓ!