ናይል ሚድያ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ከተማ መኾኒ ብዘስካሕኽሕ ኹነታት ህይወታ ብዛዕባ ዝሰኣነት ጓል 23 ዓመት ሰናይት ብዝምልከት ምስ ወላዲታን ምንኣስ ሓፍታን ፃንሒት ጌርና ምንባርና ይዝከር።
ቐታሊ ሰናይት ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ግለሰብ ብውሳነ ቤት ፍርዲ ነፃ ተባሂሉ እዩ።
ወላዲ ኣቦ ተጠርጣሪ ናብ ሚድያና ብምምፃእ "ወደይ ንሰናይት ኣይቀተላን ፤ ሓቂ ኣለኒ ስምዑኒ"ይብሉ።
ሕዚ 'ውን ሰናይት ፍትሒ ንኽትረክብ ንሕተት፤ ወደይ ግን ቀታሊ ሰናይት ኣይኮነን ይብሉ።