MENU

Fun & Interesting

ካብ እግዚኣብሄር ፈላልዮምኻ ዘለዉ 4 ምኽንያታት!!/ ጭንቀት ዕዮ ሰይጣን'ዩ!!

DREAMBIG MEHARI CHANNEL 10,555 2 months ago
Video Not Working? Fix It Now

ካብ እግዚኣብሄር ፈላልዮምኻ ዘለዉ 4 ምኽንያታት!!/ ጭንቀት ዕዮ ሰይጣን'ዩ!! ካብ ናይ እግዚኣብሄር መንገዲ ዘርሕቁኻ ዘለዉ ምኽንያታት ብዙሓት'ኳ እንተኾኑ፣ ገለ እዞም ሕጂ ንጠቕሶም ኣገባባት ካብ ምግባርን ኣብኣቶም ኣብ ምንባርን እንተተቖጢብካ ግና፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣዚኻ ክትቀርብ ዝሕግዙኻ ኣገባብባት ኣብዚ ቪድዮ ኣለዉ። ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብ እንታይ ማለት ኢዩ? ህይወትና ኣዝዩ ጽዑቕን ውጥረትን ህውከትን ኣብ ዝኾነሉ እዋን፣ መዕእልትና ብሰላም ክንውዕልን ሂወትና ዝተረጋግአ ክኾነልናን መዓልትና ብጸሎትን ብምስጋናን እንተጀሚርናዮ እቲ ሂወትና ብምሉኡ ኣዝዩ ሰላም ዘለዎ ክኾነልና ይኽእል'ዩ። የእምሮኻ ተቖጻጺርካ ነዞም ኣገባባት ከተተግብሮም እንተኪኢልካ፣ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐረብካ ክትከውን ኢኻ። ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብ ከኣ ምስ ነብስኻን ምስ ካልኦትን ምስ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉን፣ ርግኣት ዝስምዓካ ናይ ቅሳነት ኩነታት እዩ። ካብ ጭንቀትን፣ ወጥርን ጸቕጥን ዝሓሽካ ክትከውን ከለኻ/ዩ። ናብ ኣምላኽካ ምውካልን ውሽጣዊ እግዚኣብሄርካ ምስማዕን፣ብመሰረቱ ብተግባር ሰሪሕካ ተምጽኦ'ምበር ብትምኒት ጥራይ ትሃንጾ ኣይኮነን። እቶም ናይ ለውጢ ጽምኣት ዘለኩም፣ ነዚ ቪድዮ ብምዕዛብ ጉድለታትኩም ኣለሊኹም ንቕድሚት ክትብልሉ ትኽእሉ ኣዝዩ ብሉጽ ሓሳባት ስለዘሎ ተገዲስኩምን ጊዜ ሂብኩምን ረኣይዎ። እቲ ጉዕዞ ኣዝዩ ዘሰክፍን ኣድካምን ክመስል ይኽእል እዩ፡ ግን ሓደ ክትፈልጥዎ ዘለኩም ነገር፣ ነፍሲ ወከፍ ዓቢ ጉዕዞ ብንእሽቶ ስጉምቲ እዩ ዝጅምር። ስለዚ፡ ቀዳማይ ስጕምቲ ክትወስድ ድሉዋት ኩኑ። #ሓድሽ_ምዕራፍ_ሓድሽ_ሂወት!! @dreambigmeharichannel @BAHGNATV @ellarecords @shigeyentertainment9517 @YonasMaynas @ATAMedia @HDMONANEBARIT @BurukTv @neshnesh_show @zomaychannel @zarafltet @gereemunentertainment @gDrar

Comment