ናይ ኣብ በረኸት፡ ናይ ወልድ ፍቅሪ፡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሃብቲ፡ኣብ ቅድስቲ ጽርሓ ጽዮን ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ከም ዝወረደ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ልዕለይ ኣብ ልዕሊ ኲልኹምን ዕጽፊ ኮይኑ ይውረድ !!!!!
ኤፌሶን 6፡12
ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።
ማቴ 10፡ 1
ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ንርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽእዎምን ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩን ስልጣን ሀቦም።
ማርቆስ 9፡ 29
ንሱውን፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎትን ብጾምን ኪወጽእ ኣይከኣልን እዩ፡ በሎም።☝☝☝
ኣብዚ ቻነል ዝዝርግሑ ቪድዮታት ⬇⬇
* ብጾምን ብጸሎትን ብስግደትን ብከመይ መንፈሳውነትና ነዕብን ጸላዕትና ንስዕርን።
N.B ጸላእትና ግን ደምን ስጋን ዘይኮኑ፡ ርኹሳት መናፍስትን ገዛእቲ ጽልመትን ምዃኖም ኣረዲኡ፡ ታሪኽ ኣሰንዩ መንፈሳዊ መፍትሒኡ ይምህር።
ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝኾኑ👇
* ዜና ቅዱሳትን ተኣምርን፡
* ወቅታዊ ትምህቲ
* ወቅታዊ መዝሙራት
* መንቅሕ ደወልን
ስብሓት ወክብር ለስሉስ ቅዱስ ይደሉ
ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኲሎ ግዜ
ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለመ ዓለም ኣሜን!