ፕሎት ሚድያ ህልዊ ፍፃመታት ብመዘናጋዓይ መልክዑ ደረጅኡ ብዝምጥን ምድላው ይቐርብ። ንማሕበራውን ስነልቦናውን ህይወት ዝምጥኑ ሰሓብቲ መደባት ብምቕራብ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገዚፍ ትካል ንምህናፅ ተሊሙ ይንቀሳቐስ።
ኣብ ኩለመዳያዊ ስራሕቶም ፅልዋ ዝፈጥሩ ሰባት ብምዕዳም ብመሳጢ ዕላል ተሞክሮኦም ዘካፍልሉ መድረኽ ተሃድሶ እዩ ፕሎት ሚድያ።
ቀንዲ ዕላማ ፕሎት ሚድያ ደረጅኡ ዝሓለወ፣ ብፅፈትን ተሞክሮን ዝጎልበተ፣ ሰፊሕ ተኸታታሊ ዘለዎ ናይ ምዝንጋዕ ቻነል ፈጢርካ ለውጢ ምምፃእ እንትኸውን ካብ ዝኾነ ይኹን ኣረኣእያ፣ ፅዕንቶ ሓሳብን ፖለቲካዊ ውግንናን ናፃ ዝኾነ ናይ ኩሉ ሚድያ እዩ።