ባንኪ ንግዲ ኢ/ያ 1000662069478 ንግስቲ ኣሰፋ
ቁ.ስ.፦ 0984396190
00312368325-06 ንግስቲ ኣሰፋ (ባንኪ ኣንበሳ)
ገና ምስተወለደት ብሰንኪ ተፈጥሮኣ ወላዲታ ኣይተቐበለታን። ካብ ሞንጎ ኣሕዋታ ብዝኸፈአ መልክዑ ብወለዳ ምግላል ገጠማ። ክልቲኦም ወለዳ ሃፍቲ ንብረቶም ንደቆም እንተውርሱ ንሳ ግን ከም ውላድ ስለዘይትሕሰብ ኣብዚ ዕድል ኣየካተትዋን። ካብ ገዝኣ ዝጀመረ መግለልቲ ናብ ሙሉእ ዓዲ ስለዝተነዝሐ ዕፃኣ ተነፂላ ንበይና ምንባር ኮነ፤ ጓል 13 ዓመት ኮይና ንብሕታ ኣብ ሓንቲ ኣጉዶ ብጥምየት እናተሓለገት፣ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቓ ህይወታ ክትመርሕ ተገደደት። እዋናት ብኸምዚ መልክዖም ሓሊፎም ወራር ምስ ኣጋጠመ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዘይንቡር(ብመሃንቱሳ) ብጭካነ ደፈርዋ። ከቢድ ስቓይ እናተኣነገደት ቁስላ ከይደረቐ ድማ ወገናተይ ብትብሎም ደቂ ዓዳ ደጊማ ተደፍረት። ብዚ ምኽንያት ኣዝዩ ከቢድ መጉዳእቲ ስለዝገጠማ ክሳብ ሎሚ ኣብ ስቓይ ትርከብ። እዚ ኹሉ መከራ ዝበፅሓ ዘሎ በደል ስለዘለዋዘይኮነስ ብተፈጥሮ ክልተ ፆታ ሒዛ ስለዝተወለደት ጥራሕ እዩ። እዛ በዓልቲ ታሪኽ ኣብ ወረዳ እምባ ኣላጀ ጣብያ ዓፀና ተወሊዳ ዝዓበየት ንግስቲ ኣሰፋ ትብሃል። ካብዚ ንላዕሊ ህይወት ንበይነይ ምሽካም ስለዝኸበደኒ ደገፍ ህዝቢ ደልየ ዓርሰይ ገሊፀ ኣለኹ ብምባል ኣብ ፕሎት ሚድያ ተረኺባ ኣላ።