ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈላለዩ ኣካላዊ መጉዳእቲ የጋጥሙ እዮም። ካብዚኣቶም ብዙሕ ግዜ ክውገዐሉ ዘይንሰምዖ ናይ ብልዕቲ ምቑራፅ መጉዳእቲ ሓደ እዩ። ንሎሚ ከምዚ ዓይነት መጉዳእቲ ኣጋጢምዎ ኣእምሯዊ ፅዕንቶ እናተቓለሰ ዝርከብ ሓደ ጅግና ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ተጋዳላይ ሄኖክ ደስታ ይብሃል፤ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ እዩ። ካብ ትሑት መነባብሮ ተበጊሱ ክሳብ ማእኸላይ ብርኪ ንግዲ በፂሑ ፀዓርዓር እናበለ ህይወቱ ይመርሕ ዝነበረ እንትኸውን ኣደታቱ እንትድፈራ፣ ማህፀነን ብመሳምር እንትፃወትሉ መስካሕክሒ ግፍዒ ርእዩ ተጋዲሉ። ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ጅግንነት እናፈፀመ፣ ብተደጋጋሚ ናብ ፀላኢ ኣትዩ ብተኣምር እናደሓነ፣ ልዕሊ ኣርባዕተ መጉዳእቲ ኣጋጢምዎ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብልዕቱ(መራብሒ ኣካሉ) ምሉእ ንምሉእ መቑረፅቲ ኣጋጢምዎ ከም ጓል ኣንስተይቲ ከፍ ኢሉ ንምሻን ተገዲዱ። ኣብ ወፃኢ ሃገር ንክሕከም ድማ ከባቢ 4 ሚልዮን ቅርሺ ስለዝተሓተተ ህይወቱ ብተስፋ ጥራሕ እናመርሐ ይርከብ። ውሽጡ ከምዚ ከሎ ግን ታሪኹ ብፍሽኽታ ኣሰንዩ የውገዐና ኣሎ። ሰናይ ምክትታል።