መንእሰይ ፍረወይኒ ብርሃነ ምስ ዓብዪ ሓዋ ትነብር ነይራ። ብስርሓ ጠንካራ ብስነምግባራ ምስግንቲ ምንባራ ይንገረላ። ዕድሚኣ ንዓቕመ ሄዋን ከምዝበፅሐ ምስተረደአት ንቡር ክፍትን ኢላ ሓዳር ገይራ ካብ ገዛ ሓዋ ትወፅእ። ምስ ናይ ሰብኣያ ቤተሰብ ተላፊና መሬት ትገዝእ እሞ ምስኣቶም ኣብ ሓደ መረባ ናይ ባዕላ ገዝኣ ሰሪሓ ሰለስተ ቆልዑ ወሊዳ ራብዓይ ነብሰፁር ኮይና ምንባር ትጅምር። ሓደ ወቕቲ ግን ኣብ መረባኣ ሞይታ ተረኸበት። ውፅኢት ምርመራ ሕክምና ከምዘመላኽቶ ተሓኒቓ ከምዝተቐተለት እዩ። ብዚ ምኽንያት ኣርባዕተ ተጠርጠርቲ(ስድራ ሰብኣያ) ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ዘለዉ እንትኸውን ንሶም እናኣመኑን እናኻሓዱን ይከራኸሩ ኣለዉ፤ ስድራ መዋቲት ድማ መረዳእታ ዝብልዎ እናቕረቡ ቀተልቲ ሰብና ንሶም እዮም እናበሉ ልዕሊ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን እናሞጎቱ ይርከቡ። ወድዓዊ ሕቶና ግን "ጓል ኣንስተይቲ ንምንታይ ትቕተል?" ዝብል እዩ። ምሉእ ታሪኻ ሓው መዋቲት ዝኾነ ክብሮም ብርሃነ ኣለሻ ፍትሒ ኣብ ስቱድዮና ተረኺቡ ኣሎ። ንከታተሎ።