MENU

Fun & Interesting

"ኣቦ ጓሉ ይደፍር - ዘይፈስስ ንብዓት ራሄል!"

Video Not Working? Fix It Now

#ዳናይት እተሰምየ ኣብ ሓቀኛ ታሪኽ ተደሪኹ ዝተፃሕፈ መፅሓፍ ልቢ ብዙሓት ዘድመየን ንብዙሓት ዘንበዐን ነይሩ። ሓንቲ ዳናይት ዝተብሃለት ንእስቲ ካብ ጓል 10 ዓመት ጀሚራ ብወላዲ ኣቡኣ እናተደፈረት ዘሕለፈቶ ከቢድ ፈተና የዘንቱ። ኣብ መወዳእታ ዳናይት እቲ ኣራዊት ኣቡኣ ናብ ንእሽተይ ሓፍታ ክሰግር ምስበለ ንበይና ሓቢኣቶ ዝነበረት ምሽጥር ዛሕዚሓቶ፤ ኣቡኣን ድማ ተኣሲሩ። እቲ ዘሐዝን ግን ዳናይት ሓዳር ፈቲና ዋላ እንተነበረት ኣብ ደማ ኤችኣይቪ ቫይረስ ስለዝነበራ ሓንቲ ጥዒቲ ህፃን ወሊዳ ካብዛ ዓለም ተፈልያ። ናይ ሎሚ ጋሻና ኣብቲ ግዜ ዳናይት እንትትድፈር ህፃን ኮይና ብዓይና ትሪኢ ብእዝና ትሰምዕ ዝነበረት ንእሽተይ ሓፍታ እያ። ንባዕላ ካብዚ ኣራዊት ኣምሊጣ ንጓል ዳናይት ዘይምሰል መሲላ ኣዕብያ ሕዚ ንምስክርነት በቒዓ ኣላ። መርሃዊት ዘመንፈስ በላይ ትብሃል። እንሆ ዘይተሰምዐ ኣብ ልዕሊ ኣሓትና ዝበፅሕ መሰቀቒ ታሪኽ።

Comment