ክትውለድ ከላ ብርሃን ዓይኒ ኣይተዓደለትን። ወላዲታ 'ውን ምርኣይ ዝተስኣነን ብምንባረን እናመፅወታን ገፅ ሰብ እናለብለበንን ኣዕብየናኣ። ክልቲኦም ወለዳ ብሞት ምስተፈለይዋ ናብ ቤት ትምህርቲ መርሃ ዕውራን መቐለ ክትሕብሐብ ጀመረት። ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ ኣብኡ ምስ ፀንሐት ብምኽንያት ሕማም ወፂኣ ፎቐዶ ማይ ፀሎት ከርተት በለት። ናብራኣ ኣብ ደገ ገይራ መመወፅ ኣውሊዕ እናሸጠትን ሚዛን እናምዘነትን ዓርሳ ክተመሓድር ሞከረት። ኣብዚ ግዜ ነይሩ ሓደ ንሓዳር ደላዪ መሲሉ ለሚኑን ሓባቢሉን ዝወሰዳ። ምጥናሳ ምስፈለጠ ግን ሓዲግዋ ከይዱ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ 7 ወርሒ ነፍሰፁር ኮይና እትበልዖ ስኢና ኣብ ከቢድ ፀገም ጥሒላ ትርከብ። እዛ ምስክነይቲ በዓልቲ ታሪኽ ሳራ ፅጋብ ኣድሃኑ ትብሃል። ምጥን ዝበለ መሳጢ ታሪኻ ክትከታተሉ ንዕድም።