MENU

Fun & Interesting

"ኣደ ስውእቲ ኮይነ ቃል ስውኣት ከይተልዕሊ ተባሂለ!"

Video Not Working? Fix It Now

ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ሚዛነ ብርሃን ቁሸት መኣዲ ተወሊዳ ዝዓበየት፣ ጓል 16 ዓመት ኮይና ዝተጋደለት፣ ምስላ ኣብ ክሊፓትን ሚድያታትን ብበዝሒ ዝተርኣየ በዓልቲ ስጥምቲ ዕጥቂ እያ - ስውእቲ ጅግና ተጋዳሊት ኣምለሰት ፀጋይ። ብዝፈፀመቶ ታሪኽ ዘይርስዖ ጅግንነት ብፆታ #ማርታ ኢሎም ይፅውዕዋ። ምስ ክልተ ኣሕዋታ ተጋዲላ፣ ልዕሊ 80 ዓውደ ውግኣት ኣይዳ፣ ንፀላእታ ከም ቆፅሊ እናርገፈት ብዘመዝገበቶ መደምማዊ ጅግንነት ክሳብ መራሒት ሻለቃ ንምዃን ዝበቐዐት ዋዕሮ እያ። ኣብ መወዳእታ ንሳ ብመስዋእቲ እንትትሓልፍ ክልተ ኣሕዋታ ተወጊኦም ኣብ ሕክምና ይርከቡ። ወላዲታ ወ/ሮ ለተኪሮስ ኣረጋዊ ድማ ጠዋሪ ስኢነን ብፀገም ተሸሚመን ብብሕታውነት እናተሳቐያ እናነባዓ ይርከባ። ንሎሚ ጋሻና እየን ክትከታተሉ ንዕድም።

Comment