አይተ ሃይለ ኪዳነ ይብሃሉ ናይ ሎምዓንቲ በዓል ታሪክና
አብ ከተማ #ዓዲ ዳዕሮ እዮም ዝነብሩ ምስ በዓልቲ ገዚኦም ወ/ሮ ህይወት ብምኳን ብስራሕ #ሕርሻ ድማ ይመሓደሩ ነይሮም
ብዙህ ጊዜ ናይ ልምዓት ሓርበኛታት ተባሂሎም ብኢ/ያ ደረጃ ተሸሊሞም እዩም #ሞዴል ሓረስቶት ብዝብል፡፡
ህይወት አጋጣሚዓ ብዙህ እዩ ክልተ ደቆም ብህይወት ከለው #ውርሲ ሓቡና ብዝብል ምስ ወለዶም ንነዊህ ዓመታት ዝፈጠርዎ ቅርሕንቲ መጨረሽኡ ንወላዲቶም #ብምቅታል ተዛዚሙ፡፡ንወላዲ አብኦም እውን ብካራ #ሓሪዶም ደርብዮሞ ግን ድማ ብህይወት ተሪፉ ሕዚውን አብ ፀገም አለኩ ህዝቢ ትግራይ ፍረዱኒ ይብሉ አለው እዞም አቦ፡፡