MENU

Fun & Interesting

"ስርሐይ ምእማን ዝኸብዶም ብዙሓት እዮም!"

Plot Media-ፕሎት ሚድያ 3,884 lượt xem 1 day ago
Video Not Working? Fix It Now

መንእሰይ ኣሸናፊ ኣያና (ኣሹ ምድጃ) ይብሃል። ክሳብ 9 ዓመቱ ዝኾን ይርኢ ዝነበረ ኾይኑ ብሰንኪ ሕማም ሽኮር ብድሕሪኡ ክልቲኤን ብርሃን ዓይኑ ፀልሚተን። ይኹን ምበር ልቡ ብሩህ ስለዝኾነ ኣእምሩኡን ልቡን ተጠቒሙ ብዘደምም መልክዑ ዓይነ ብርኪ ዘለዎ ሰብ ዘይኽእሉ ኩሉ ይሰርሕ። ካብ ምድጃ ክሳብ ቴፕን መሞቒ ማይን፤ ካብ ጠሓኒት ቡን ክሳብ መጎጎ ኮታስ ኩሉ ዓይነት ኤሌክትሮኒክስ ብምድህሳስ ጥራሕ ይሰርሕ። ካብ ደቃቕ ምስማር ክሳብ ዓባይ ብሎን ፈቲሑ ይገጥም፣ ናውቲ ቀያይሩ የሐድስ ፣ ሞዲፋይ ይገብር። እቲ ዝገርም ድማ ኣብ ካልኦት ዝኣበየ ስራሕ ኣብ ኢዱ በፂሓ ህይወት ትዘርእ። ንምዝራቡ ቀሊል ዝኾነ መደነቓይ ስርሑ ክትከታተሉ ዓዲምና ኣለና፤ ሰናይ ምክትታል።

Comment