ሓመድ ደቡብ ትግራይ ከተማ መኾኒ እናብኮዐት፣ ፀባን መዓርን እናተዓንገለት ብፃዕዳ ጣፍን ጠስምን ተኸቢባ ብፍቕሪ ዓብያ። ወለዳ ንዓኣ ምስወለዱ ሑቕፎም ከይፀገበት ኣቡኣ ብሞት ተፈልዮማ። ኣዲኣ ድማ ሓጋዚ ስለዝደለያ ሰብኣይ ኣእቴን ሓፍቲ እትኾና ጠነሳ። ኣብዚ ግዜ ነይሩ ሕማቕ መዓልቲ ተፀብዩ ሰብኣይ ኣዲኣ ኣብዘይወንወነ ሰብነታ ዝደፈራ። እዚ ቁስሊ ተፃዊራ ምስዓበየት ሓደ መዓልቲ ኣብ ገዝኣ ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ምኽንያት ጠፊኣ ናብ መቐለ መፀት፤ ንዓኣ ክእልሻ ዝወፃ ወላዲታ ድማ ብሓደጋ መኪና ሞታ። ብድሕሪ'ዚ ምኽንያት ሞት ወላዲትኪ ንስኺ ኢኺ ብዝብል ከቢድ ወቐሳ ብመላእ ቤተሰብ ተኾነነት። እዚ ምፅዋር ዝሰኣነት እዛ ምስክነይቲ ህይወታ ንምምራሕ ፍቐዶ ከተማታት ከርተት በለት። ንቡር ፈቲና ውን ሓንቲ ህፃን ወለደት። ኣብ መወዳእታ ብሰብኣይ ኣዲኣ ዝበፅሓ መድፈርቲ ንብሕታዊት ንእሸተይ ሓፍታ ከምኡ ውን ንሰብኣያ ምስነገረቶም ክልቲኦም ርሒቖማ። እዚ ከይኣክል ናይ ወላዲት ኣዲኣ መሬት ኣዲኣ ንበይና ጠቕሊላ ስለዝሸጠቶ ኣብ ክርክር ትርከብ። እዛ ብስቓይን ክሕደትን ሰንሰን ዝበለት ምስክነይቲ በዓልቲ ታሪኽ ለምለም ሓዱሽ ትበሃል። ክትከታተልዋ ንዕድም።