ነባሪ ወረዳ ሕንጣሎ ቁሸት ማይጉንዲ ፍሉይ ቦታ እምባ ኣርዓዶም ዝኾኑ ኣይተ ካሕሳይ ኣርኣያ ኣብ ህይወቶም ዝገጠመ የደምም። ካብ ማሕረሶም ብተወሳኺ ኣብ ሓደ ትካል ብዋርድያነት እናሰርሑ ይነብርሉ ኣብ ዝነብርሉ ግዜ ዝፈትውዎ መሳርሕቶም ብጥይት ተቐቲሉ ይርከብ። ብድሕሪዚ ብገበን ቅትለት ተጠርጢሮም ይእሰሩ። ናይ ሓሶት ምስክርነት ተወሲኽዎ ድማ ንሕልፈት ይፍረዶም። 4 ዓመት ሙሉእ 'ውን ብዘይወዓልዎ ገበን ተኣሰሩ። ኣብ መወዳእትኡ ግን ትኽክለኛ ቀታሊ ተታሒዙ ናብ ፍርዲ ይቐርብሞ ብዘይዝኾነ ምክርኻር ቀታሊ ንሱ ምዃኑን ተጠርጢሮም ተኣሲሮም ዘለዉ ሰብኣይ ንፁህ ምዃኖምን ቃሉ ይህብ። ንሶም ድማ ድሕሪ 4 ዓመት ማእሰርቲ ናፃ ምስወፁ ንብሓሶት መስከርትን ዝተዛነፈ ፍርድን ብይቕሬታ ዓፅዮም ሎሚ ስሩዕ ህይወቶም እናመርሑ ይርከቡ። ተኣንገዱልና።